2017 ማርች 15, ረቡዕ

ኣፈርክቡ ! ወጣጡ ወያኔ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡለዉ

BY TEKLEHAIMANOT GEBREMEDHIN EMBAYE BAHIR DAR:

                             

ኣፈርክቡ ! ወጣጡ ወያኔ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡለዉ

ፍራ ወያኔ በቲ ካብ በረኻ ደደቢት ሒዘሞ ዝመጹ እከይ ተግባራቶም ፣ ካብ ጎረባብቲ መሬት ጨሪምካ ናብ ትግራይ ብምጽንባር ናይ መጻኢት ረፑብሊክ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት እዩ ኔሩ። ነቲ ብሳላ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮፍ ዝበልዎ ዙፋን ነገስታት ኢትዮጵያ ተጠቒሞም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምጭቋንን ብምርጋጽን ሃብቱ ጓሕጒሖም ንትግራይ ብምግዓዝ ዒም ንዝበለ ጥይት ብምዅላስ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ግዳይ ሞትን ህልቂትን ስደትን ጌሮሞ።
እዞም ብኹሉ ዓይነት መዐቀኒታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከመሓድሩ ይኹኑ ክጭቁኑ ፍጹም ብቕዓት ዘይብሎም ወገናውያን ጸበብቲ ርእሲ ወያነ: ን25 ዓመታት ብደም ህዝቢ ክጻወቱ ጸኒሖም። ወያኔ ንኢትዮጵያ ብብሄር ከሊሎም ብምጉጅጃል ንሓድሕዱ ከም ዘይራኸብን ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝጠማመት ጌረሞ።
ወያነ እቲ ቀዳማይ ጸላኢኦም ጌሮም ዝወሰድዎን ንምጥፍኡን ዝዓጠቑን ብሔር ኣምሓራ እዩ። ወያኔ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዘለዎም ጽልኢ ሎሚ ኣብ ግዜ ወያኔ ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ቅድም ካብ ግዜ ሃጸይ ቴዎድሮስ ሃጸይ ዮሃንስ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ።
ጀነራል ናፕየር ንሃጸይ ቴዎድሮስ ንምውጋእ ንመቅደላ ክኸይድ ከሎ መንገዲ ዝመርሖን ብግዝኣቱ ክሓልፍ ዘፍቀደ እቲ ድሒሩ ሃጸይ ዮሃንስ ዝተሰምየ ትግራዋይ መስፍን ነበረ። እዛ ጭፍራ ንልዕሊ ተስዓ ሚልዮን ዝኾኑ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ ረጊጻን ጨፍሊቓን ሃብቲ ናይታ ሃገር ናብ ትግራይ ብምግዓዝ ፣ ንትግራይ ልዕሊ ኩለን ብሄራት ኢትዮጵያ ጌራ ኪኖ እዚ ብሓይሊ ውን ጎብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ምሕላማን ምፍታናን መጥፍኢኣ ምዃኑ ኣይተገንዘበትን።
ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይተሓጽረትን: ሕሉፍ ሓሊፋ ንኤርትራ ወሪራን ኣዳኺማን ንደንካልያ መሬት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ትግራይ ኣእትያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ዘለዋ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓባይ ትግራይ ንምምስራት እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለመቶን ዝፈተነቶን ንዘለኣለም ካብ ግንባራ ዘይሃስስ ስምብራት ገዲፉላ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕምራ ዝሓጽረሉን ካብ ምድረ ገጽ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ መጋርያ ሓዊ ተጠቢሳ እትጠፍኣሉ መጋርያ ሓዊ ከኣ እነሆ ቃልቃል ይብል ኣሎ። ሕጂ ደኣ ወይን/ማለሊት እንታይ ይሓይሽ ? ኣበይን ብኸመይን እዩ ክህደም ?
እዛ ጭፍራ ነቲ ካብ ደደቢት ኣትሒዛ ዝኣለመቶ ተንኮል እቶም ዝፈጠርዋ ህዝባዊ ግንባር ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክትቅይሮ ከም ዘለዋ እንተ ዘይኮነ መጥፍኢኣ ከም ዝኸውን ኣቐዲሞም ነጊሮማ ኔሮም: እንተ ኾነ ዝሓስብ ኣእምሮ ስለ ዘይተዓደለት ፣ ዘይንሳ ንኽትከውን ብዝገበረቶ እከይ ተግባር እንሃ ናብ ናይ መወዳእታ ጥፍኣታ ትኸይድ ኣላ።












እዛ ጭፍራ እዚኣ እቲ ዝተበገሰትሉ እከይ ውጥን ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ትግራይ፣ እዚ ማለት ናይ ካልኦት ህዝብታት መሬት መንዚዕካ ናብ ትግራይ ጸንቢርካን ኩሉ ምዕባሌታት ኣብ ትግራይ ጥራይ ምክያድ ፣ ነቶም ካልኦት ብሄራት መሰሎም ገፊፍካ ልሙዕ መሬቶም ተሓዲጎም ወይ ንተጋሩ ምሃብ ወይ ድማ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ምሃብ ፣ ንዕኦም ድማ ካብ መሬቶም ምስጓግ ንዝተቓወመ ብጃምላ ምርሻን ወይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣእቲኻ ምስቓይ ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ።
እቲ መሬት እኮ ናይ ዋናታቱ እዩ ! እቶም ኣህዛብ ህይወቶም ወይ ህላውነቶም ምስ መሬቶም ዝተተሓሓዘ እዩ ! ከመይ ጌርካ ንወዲ መሬት እዚ መሬትካ ንመስርሒ ኣባይቲ ክንጥቀመሉ ኢና ንስኻ ልቐቕ ትብሎ ! ኣራዊትኳ ነቲ ናተይ ዝብሎ መሬቱ ካብ ኣካላቱ ብዝወጽእ ፈሳሲ እናገበረ ይሓጽሮ እዩ፣ ነታ ዶብ ሓሊፉ ዝኣቱ ዝኾነ ካልእ ኣራዊት ድማ ክሳብ ህይወቱ ከፊሉ ይከላኸለላ ። እዚ እኮ ባህርያዊ ንኹሉ ፍጡር ኣብዛ ዓለም ዝተዋህቦ ጸጋ እዩ ! ከመይ ጌርካ ነዚ ከተፍርሶ ትህቅን ! መን እያ እዛ ጭፍራ ንደቂ መሬት መሬት መንግስቲ እዩ መንግስቲ ውጽኡ እንተ ኢልኩም ምውጻእ ጥራይ እዩ ፣ሕቶ ዝበሃል የሎን ትብል ? ህዝቢ ኢትዮጵያ ንመሬቱ ደም እናኸፈለ እኮ እዩ ንውሉድ ወለዶ ዓቂብዎ ጸኒሑ ! ንሓደ ህዝቢ ንመሬቱ ኣይናትካን እዩ ናይ መንግስቲ እዩ ክትብሎ በየናይ መምዘንን መዐቀንን ? ከምዚ ንኽትብል መን ኢኻ ንስኻ ? ሃጸይ ሃይለስላሰ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጺኡ ናይ ብርሃን ጩራ ዝኸፈተሎም እዩ፣ እንተኾነ ሓንቲ ዓባይን ደሓር ካብ ሱሩ ተመንቊሱ ከም ዝጠፍእ ዝገበረቶን ጌጋ ፣ ትሕዝቶ መሬት እያ ። መሬት ብውሑዳት መሳፍንቲ ተወኒኑ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ገዛእ መሬቱ ባርያ ኮይኑ ኔሩ። ንኣውያትን ስቓይን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸማም እዝኒ ዝሃበ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብህዝባዊ ናዕቢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጠፊኡ። እዛ ጭፍራ ንምንታይ ካብዚ ኣይተማህረትን ? ሕጂዶ ይሓይሽ !


እዛ ጭፍራ ነቲ ካብ በረኻ ደደቢት ሒዛቶ ዝኣተወት ተንኮላት ኣብ ግብሪ ንምውዓል መታን ክጥዕማ ነታ ብሄር ሃይማኖት ዘይፈሊ 13 ጠቅላይ ግዛት ዝነበራ ኢትዮጵያ በብብሔር መቓቒላ ናብ 9 ክልላት ጎዛዝያታ ። እዚ ንምንታይ ኣድለየ ? ከም ቀደማ እታ ሃገር 13 ጠቅላይ ግዛት ከከምቲ ዝነበረን ኣስማት እንተኾነት እንታይ ጸገም የምጽእ ? እቲ መልሲ ንጹር እዩ፣ ልሙዕ መሬት ካብ ካልኦት ናብ ግዝኣትካ ኣእትኻ ነታ ትሕለም ዘላ ረፑብሊክ ዓባይ ትግራይ ምስፋሕ፣ ነታ ኢትዮጵያ ከኣ ፋሕ ብትን ኣእትያ ንምጥፍኣን ጎብለል ረፑብሊክ ዓባይ ትግራይ ርእሳ ዝኸኣለት ሃገር ንምምስራት እዩ ።
እዛ ጭፍራ እዚኣ ካብ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እቶም ሸውዓተ ሚልዮን ዘይኣኽሉ ትግራዎት ጥራይ እዮም ብሉጻት ህዝቢ ፣ ኩሉ ነገር ንተጋሩ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ፣ ኩሉ ጽፍሕታት ናይታ ሃገር ብተጋሩ ክተሓዝ ኣለዎ፣ ህንጸትን ልምዓትን ኣብ ትግራይ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ! ስለምንታይ ? ሃገራዊ ባጀት ናይታ ሃገር ልዕሊ ሰብዓ ሚእታዊት ንትግራይ እዩ ዝምደብ ፣ እቶም ካልኦትከ ደቂ መሬት ደቂ ሃገር ፣ ንህላወ ናይታ ሃገር ረዚን መስዋእቲ ዝኸፈሉ ደይኮኑን ! ኩሎም ብሄራት ናይታ ሃገር ብማዕረ ነታ ሃገር ህይወት ካብ ከፈሉላ ንምንታይ ማዕረ ተረባሕቲ ዘይኮኑላ ? እዚ ሕጂ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዓግቶ ዝኽእል ሓይሊ ኣሎዶ ? እዛ ጭፍራ ህይወታ ከተድሕንሲ ይትረፍ መህደሚ ነዃል ውን ኣይትረክብን እያ ! ኣብቲ ንኻልኦት ዝኣጎደቶ መጋርያ ሓዊ ህሙኽ ኢልካ ምሕራር ጥራይ እዩ ዕድላ።
እንቍራሪት ዝሆንን ኣክላለሁ ብላ ተሰንጥቃ ሞተች ) እዛ ጭፍራ ነቶም ካብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ 20% ዝኾኑ ብሔረ ኣምሓራ ንምጽናት ገና ኣብ በረኻ ደደቢት እንከላ ዝሓንጸጸቶ እከይ ውጥን እዩ ፣ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ከኣ ሰሪሓትሉ ። ህዝቢ ኣምሓራ ዘዝለምዐ መሬቱ ተሓዲጉ ንተጋሩ ተዋሂቡ ፣ ዝኾነ ኣምሓራይ ካብ ደገ መጺኡ ኣብ ሃገሩ ወፍሪ ክገብር ምስ ዝደሊ ኣይፍቀደሉን ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ህንጸትን ልምዓትን ኣይካየድን ፣ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ ! ኣብ ልዕሊ እቶም ልዕሊ 34% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ብሔረ ኦሮሞ ዝተፈጸመ ህልቂት መግለጺ ቃላት ውን ኣይትረኽበሉን ። ብረት ዘይዓጠቑ መንእሰያት መሰሎም ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ብኣልማማ ብጥይት ክትርሽኖም ምስ ምንታይ ይቝጸር !
ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኤውሮጵውያን ነጻ ካብ እትወጽእ ሰብዓ ዓመት ክመልእ ዝተረፎ የብሉን። ኤውሮጳውያን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣፍሪቃውያን ዝገበርዎ ግፍዕታት ክትገልጾ እንተ ፈተንካ ግዜ ይኹን ቃላት ውን ኣይኣኽሉኻን እዮም። ንሳቶም ምስ ከዱኸ ህዝቢ ኣፍሪቃ እንታይ ረኸበ ? ዝብል ሕቶ ብቐዳምነት ይመጸካ እሞ ፣ ካብ ዝብኢ ሃዲሞም ኣብ ገረብ ይድይቡ እሞ ኣብኡ ከኣ ነብሪ ይጸንሖም እዩ እቲ መልሱ።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ይኹን ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዘዝሓዘ መንግስቲ ብመጀመርያ ደረጃ ዝገብራ መሬት ናይ መንግስቲ ምግባር እዩ ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ማሕበርነት ወይ ኮሚኒዝም መትከል እዩ። ማሕበርነት ወይ ኮሚኒዝም ምዕባለ ከም ዘየምጽእን ከም ዘይሰርሕን ንኣህዛብ ናብ ጥምየትን ድኽነትን ጽልእን ቅርሕንትን ጥራይ ከም ዘምጽእ ካብ 1917 ክሳብ 1990 ኣብ ሕብረት ሶቭየትን ካልኦት ናይ ምብራቕ ኤውሮጳ ሃገራትን ኣብ ግብሪ ተራእዩ እዩ።
ድሕሪኣ እትመጽእ ነቶም ናቱ ዓሌት ዝኾኑ ስልጣንን ሓለፋታትን ብምሃብ ይከናኸኖምን ይኣልዮምን፣ ነቶም ናቱ ብሄር ወይ ዓሌት ዘይኮኑ ካብ ዝኾነ ይኹን ስልጣን ወጊድካ ብመጀመርያ ብጥምየት ከም ዝሃልቁ ወይ ውን ዓዶም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ምግባርን ብጃምላ ፋሺሽታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ቆልዓ ሰበይቲ ከይፈሌኻ ምቕታል ብኡ ኣቢልካ ምጽናት እዩ ። ኣብዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ኣብ ዩጋንዳ እቲ ጭራሽ መሃይምነት ዘየጥፍአ ሽሙ ክጽሕፍ ዘይክእል ፊልድ ማርሻል ኢዲ ኣሚን ኣልዳዳ ንዶክተር ሚልተን ኦቦተ ገምጢሉ ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓሌት ናይ ሚልተን ኦቦተ ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ህልቂት መግለጺ ቃላት ኣይርከቦን እዩ ። ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ኣጽኒቱ። ከምኡ ውን ኣብ ሩዋንዳ ዝነበረ ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ውሽጢ ውሱናት ኣዋርሕ 800,000 ህዝቢ ብግፍዒ ዝሃለቑሉ ኩልና ንፈልጦ እናክትዝክሮ ዘንቀጥቅጥ ግፍዕን ህልቂትን እዩ ኔሩ። እዝን ወዲ ከምዝን ክትርኢ እንከሎኻ ንህዝቢ ኣፍሪቃስ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ደኾን ምሓሾ ኔሩ ? ዝብል ሕቶ ኣብ ሓንጎልካ ይመጽእ ።
ንመራሕቲ ኣፍሪቃኣ እቲ ንዛረቦን ንጽሕፎን ቋንቋ ዝርድእዎ ኔሮም እንተ ዝኾኑ እዘን ክልተ ዓበይቲ ጌጋታት ኣይትፈጽምወን ምበልናዮም፣
  1. ንህዝቢ ነታ መሬቱ ኣይናትካን እያ ኣይትበልዎ ! መሬቱን ንሱን ክልተ ክንዲ ሓደ እዮም፣ ኣይነጻጸሉን እዮም ! ንሱ ብዘይ እታ መሬቱ እታ መሬቱ ድማ ብዘይ ንሱ ህላወ የብሎምን ። ንሱ ኣብታ መሬት ይውለድ ፣ ኣብኣ ካብኣ እናተመገበ ይዓቢ፣ ይምርዖ ይወልድ ነታ መሬቱ ንውላዱ ኣረኪቡ ከኣ ካብ ዓለም ይእለ እሞ ኣብታ መሬቱ ከኣ ሓመድ ኣዳም ይለብስ። ንህዝቢ ዋንነት መሬቱ ኣሕዲግካዮን ቀቲልካዮን ክልቲኤን ሓደ እየን ፣እሞ መንግስታት ኣፍሪቃ መሬት ናይ ወዲ መሬት እምበር ናይ መንግስቲ እዩ ኣይትበሉ ምበልናዮም ።
  1. ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዙሓት ዝተፈላለዩ ብሄራት ወይ ቀቢላታት ወይ እንዳታት ኣለዉ ። እታ ሃገር ግን ሓንቲ እያ ።ኩሎም ብሓባር ይነብሩላ ፣ ኣብ ግዜ ሓጎስ ብሓባር ይሕጎሱላ ኣብ ግዜ ሓዘን ብሓባር ይሓዝኑላ ጸላኢ እንተ መጺእዋ ብሓባር ይከላኸሉላ ። ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ግርማን መልክዕን ክብርን የብሉን ። መራሕቲ ወይ መንግስታት ኣፍሪቃ ፣ ህዝቢ ኣይትፈላልዩ ! ንኹሉ ብማዕረ ርኣዩዎ ! እቲ ናትኩም ወገን ጥራይ ጸጊቡን ረቢሑን እቲ ካልእ ዝብላዕ ስኢኑ ብጥምየት ክማስን ጽቡቕ ኣይኮነን ! ላም ፍርቂ ጎድና ኣይትሰብሕን እያ ! ብኸምዚ ሃገር ኣይትምዕብልን እያ ! ሃብቲ ሃገር ብማዕርነት ናብ ህዝቢ ኣካፍልዎ ! ህዝቢ ብሓባር እንተ ጠመየ ብሓባር እንተ ጸገበ ንሃገር ሓበና እዩ !
ሓንቲ ሃገር ዝተፈላለዩ ብሄራት ክህልውዋ መልክዓን ግርማኣን ሃብታን እዩ ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ንህዝቢ ብዓሌት ብሃይማኖት ብእንዳን ቀቢላን እናፈላሌኹም ኣደዳ ድኽነትን ሞትን ስደትን ትገብርዎ ዘለኹም ንስኻትኩም ኢኹም እሞ ሃየ ጌጋኹም ኣርሙ ክትሓልፉ ስለ ዝኾንኩም ጽቡቕ እናተዘከረ ዝነብር ታሪኽ ገዲፍኩም ሕለፉ ።
እዛ ጭፍራ ካብ በዓል ዩጋንዳን ሩዋንዳን ስለ ዘይተማህረት እነሃ ንኢትዮጵያ ኣብ ብቐሊሉ ዘይጠፍእ ሃልሃልታ ሓዊ ኣጒዳ ንርእሳ ውን ኣብቲ ዝኣጎደቶ ሓዊ ሓሪራ ክትጠፍእ እያ ።
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ንስኹም ዝፈጠርኩሞ ህውከትን ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን ኣብ ኤውሮጳውያን መንግስታት ኣይተጸግዕዎ ! ንመን ንምዕሻው እዩ ! ህዝብኹም ዘይሓስብ ኣእምሮ ዝውንን መዓስ ኮይኑ ! ንተንኮላት ኤውሮጳውያን ልዕሌኹም ከም ዝፈልጥ ፍለጡ ።
ኩልና ብሓባር አኣብ ዘለናዮ ነዛ ብእከይ ተግባራ ሓንሳብን ካብ ምድረ ገጽ ትጠፍእ ዘላ ጭፍራ ወያኔ ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ንምክፋል ኣብ ተጠንቀቕ ንጽናሕ ።

ዓወት ንሓፋሽ !!!


ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ