2017 ማርች 14, ማክሰኞ

teklehaimanot gebremedhin


ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ዝቃወም ድምጺታት ካብ መላእኩርናዓት ዓለም ይስማዕ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እተን ንስኻ እተንቀሳቕሰ ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ሬድዮ ኣሰናን እውን ከምኣ ካል ናይቲ ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ተቓውሞ እጃመን ኣብ ምብርካት ይርከባ ኣለዋ።ይኹን’ምበር ‘ጽሩያት ኣብዑር ሓደማሕረሶም፣ ሓቀኛታት መሰኻኽር ሓደ መልሓሶም’ ከምዝበሃል፣እተን ንስቓይን ግፍዕን ህዝቢ ኤርትራ ሚዛናዊ ቆላሕታ ዝህበኦ ትካላት ሜድያ ምስ ግዜ እናተለለያ ይመጻኣለዋ። ብኣንጻሩ ሞያውነት ዝጎደሎ ስሚዒታዊ ኣሰራርሓኻን ዘይሚዛናዊ ኣቀራርባኻን ኣብዘን ክልተ ኣዋርሕ ብልክዕ ተንጸባሪቑ ከም ዘሎ ክንገልጸልካ ንፈቱ።
ጠንቂ ፍልሰት ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ ዘጋጥሞም ዘሎሽግራት ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ኢልካን ምምዳቡዝከኣል እዩ። እቲ ኣፍካ ክሳብ ደም ዘውጽእ ዝለፍለፍካሉን እትልፍልፈሉ ዘለኻን ሓደጋ ባሕሪላምፐዱዛ-ኢጣልያ ከኣ ሓደ ካብቶም ሂወት 369 መንእሰያትና ዝወሓጠ ባህርያዊ ሓደጋ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ፍልሰት መንእሰያት ኤርትራ ብጸሊም ተመዝጊቡ ሓሊፉ ኣሎ።ካብዚ ተፈልዩ ዘይረአ ግን እቲ ቆላሕታ ዝበቐቕካሉ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ በደል እዩ። ነቶም ባሕሪ ዝኸተሮም ዜጋታትናን መዳቕስትና ዝነበሩን ንዘይትመልሶም ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ ንብዓት ሓርገጽ ክትነብዓሎም እንከለኻ፣ ነቶም ናብራ ከቢዱና ድሕነትን መሰልን ስለ ዝሓተትና ጥራይ መዝሓሊ ጠያይት ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጲያ ዝኾና ግን ንጉዳይና ብሸፈፍ ክትሓልፎ ተዓዚብና።
ሓደ ናይ ሜድያ ትካል ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዕላማኡ ወድዓውነት ዘለዎ ሚዛናዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ምቕራብ ምኻኑ ትስሕቶ ኣይንብልን። ንገለ ጎስዩ ንገለ ዝግደሰሉ እንተኮይኑ ግን መሳርሒ ናይ ፖለቲካ ኮይኑ ፍሉይ ተልእኾ ኣለዎ ማለት እዩ።ዋላ ብትሒምትሒም ንሰምዖን ንበር እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ሬድዮ ኣሰናን መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካብ ኣገልግሎት ተለቪዥ ንኤርትራ ንድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን መፍለዪ ዘይብለን መሳርሒ ረብሓ ምኻነን ከነረጋግጽ ክኢልና ኣሎና።

ስቕታማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኣክል!

1 አስተያየት: