2017 ሜይ 14, እሑድ

“ኢትዮጵያ” ንጽል ደርፊ ቴዲ ኣፍሮ፡ ብኣጠማምታይ!

“ኢትዮጵያ” ንጽል ደርፊ ቴዲ ኣፍሮ፡ ብኣጠማምታይ!

      ጽልዋ ስነጥበብ ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ውልቀሰብ፡ ኣቃሊልካ ዝረአ ከም ዘይኮነ መባኣታዊ መረዳኣታን ፍልጠትን ካብ ዝኸውን ውሑድ ግዜ ኣይሓለፈን። ብጽሑፍ ኮነ ብስእሊ፡ ብሙዚቃ ኮነ ብቅርጻ፡ ብግጥሚ ኮነ ብደርፊ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ውልቀሰባት ተተጸልዮም፡ ተተመሲጦምን ተደኒቖምን ናብ ጽሕፈት፡ ናብ ስእሊ፡ ናብ ሙዚቃ፡ ናብ ቅርጻ፡ ናብ ግጥሚን ካልእ ስነ ጥበባዊ ንጥፈታትን ከም ዝዘንበሉ ኣብ’ቲ ዝህብዎ ምስክርነትን ቃለ መሕትትን ክንርዳእ ንኽእል። ክንደይ ካልኦት ድማ፡ ብስነ ጥበባዊ ፍርያት ተጸልዮም ናብ ዘይኣወጅዎን ናብ ዘይረብሑሉን ኲናትን ውግእን ኣትዮም እዮም። ንእስነቶም፡ ህይወቶም፡ ዕድሎምን ዕድል ወለዶኦምን ኣባኺኖም’ዮም።  
      “ዓቢዱዶ ትብልዎ?” እትብል መጽሓፍ በየነ ሃይለ ዘንበበ ሰብ፡ እታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባቡ  ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኡ ንዘሎ እምኒ ክጸርብ ዘይደናደን ዳርጋ የለን። ስም ናይቶም ኣብ277a9e641-1 ፊልም ኮነ ኣብ መጻሕፍ፡ ኣብ ድራማ ኮነ ኣብ ግጥሚታት እትሰምዖምን እትላለዮምን ገጸባህርያት፡ ኣብ’ቲ ውሁብን ሓቀኛን ህይወትካ ክረኣዩኻን ስሞም ደጊምካ ከተልዕሎን ድማ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ይትረፍ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ስነ ጥበበኛታት፡ ብፍላይ ድማ ሙዚቀኛታት፡ {ናይ ሎሚ ኣርእስቲና’ውን ንሱ ስለ ዝኾነ} ካብ ከም በዓል ደቡብ ኣመሪካ ነቒሎም። ንዓለም ምልእቲ ኣልባሳቶም ከም ትኽደን፡ ደርፊታቶም ከም ትዝይም፡ ንጸጉሮም ዝመስል ጸጉሪ ከም ተልግብ  ወይ ከም ተንውሕ ገይሮማ ዝሓለፉ ክንጠቅስ ንኽእል። ቦብ ማርሊ።
      ፖለቲከኛታት ከሕድርዎ ዘይከኣሉ ጥሙሕ፡ ስነ ጥበበኛታት ኣብ ሓንቲ ንጽል ግጥሚ ኮነት ሕደማ፡ ፊልም ኮነት መጽሓፍ ከሕድርዎ ይኽእሉ። ስለ’ዚ ድማ’ዮም ዝበዝሑ ፖለቲከኛታት ንስነ ጥበብን ስነ ጥበበኛታትን ሃገሮም ብዝከኣሎም ዝውንንዎምን ዝገዝእዎምን። ኣብ ዕዳጋ ምስ ዘይሰማምዑ ድማ ክንጽልዎምን ክቕንጽልዎምን ዝፍትኑ። ክንደይ ስነጥበበኛታት ዓለም ግዳይ ፖለቲከኛታት ከም ዝኾኑ ንምርዳእ፡ ናይ ደረስቲ ናጽነት ትብል መጽሓፍ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ብምንባብ እኹል ጭብጢታት ምርካብ ይከኣል’ዩ።  
       እዚ ማለት ግና፡ ፖለቲከኛታት ጥራይ እዮም ፖለቲካዊ ጽልዋኦም ዘሕድሩሉ ናብ ዝብል ግጉይ ፍርዲ ክወስደና ኣይግባእን። ስነ ጥበበኛታት ክነሶም፡ ንናይ ውልቆም ፖለቲካዊ ጥሙሕ ብምሉእ ቀልቦም ዝሰርሑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ዋላ’ኳ ዘይርካ ዘይርካ፡ ናይ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ጽልዋ ከይሃለዎም ከም ዘይተርፍ ምርዳእ እንተተኻእለ፡ ከም’ቲ ንፖለቲከኛታት ብርእሰ ተኣማንነት ክትብሎም ዘድፍሩ ግና ኣይኮኑን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንዝበዝሐ ካብ ጥሙሓቶም ኣብ ፍቕራዊ ቃላትን ሓረጋትን ሰዂዖም ኣብ መሳጢ ኣልባሳትን ሳዕስዒትን፡ ከምኡ’ውን ሳዕሳዕቲ ስለ ዘሰንይዎ። {ንሱ ጥራይ ግና ኣይኮነን ኣዝዮም ብዙሓት ረቛሒታት ኣለውዎ።}  ኣብ ኣእምሮ’ቲ  ንሶም ከም ዕላማ ዝሓዝእዎ መንእሰይ ሰሪጾም ይተርፉ። ሰሪጾም ይተርፉ ኢለ ከይድምድሞ ዝግድዱ ትዕዝብቲታት ስለ ዘለዉኒ በዚ ሰሪጾም ይተርፉ ዝብል ሓረግ ኣብ መደምደምታ ኣይክበጽሕን እየ። እዚ ኩሉ ብስም ስነ ጥበብ ብመንገዲ ጥበብ እዩ። ኪኖ ምስራጽ ናብ ተግባር ይሰግሩ።
      እዚ ብመገዲ ደርፊታት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ምሕዳርን በቲ ዘሕደርካዮ ጽልዋ ናይቲ ንስኻ ትደልዮን ዝወጠንካዮን ዕላማ ተረባሒ ምዃንን፡ በዚ ኣብ’ዞም ስዒብና እንሰምዖም ደርፊታትን ደረፍቲን ኣይተጀመረን። ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ። ነታ ክቡር ዋጋ ከፊሎም ዝዓደግዋ ልብሲ ካብ ፋልመይቲ ዕለት ልብሰቶም ዝጸልእዋ መንእሰያት ኣብ ዝበዝሑሉ መድረኽ ስለ ዝሎና። ካብ ናቶም ብዝሓሰረ ዋጋን ጻዕሪን ንዝተገዝአት ልብሲ ዝብህጋን ዘድንቑን መንእሰያት ኣብ ዝበዝሑሉ እዋን ስለ ዘሎና። እዞም ስዒበ ዝዝርዝሮም ደርፊታት ዘሕድርዎ ጽልዋ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። ክረአ’ውን ኣይግብኦን። ጽልዋ ምሕዳር ጥራይ እንተዝኸውን ኣይምተጸልአን፡ እቲ ጽልዋ ናብ ጎነጽን ክርክርን ከምርሕ ተዓዚበ ኣለኩ። እቲ ጽልዋ፡ ኪኖ ግምት’ቶም ዝደረፍዎን ዝገጠምዎን ከይዱ፡ ኣብ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ኣካራኻሪ ኣርእስቲታት ካብኡ ሓሊፉ ፈላላይ ረቛሒታት ክኸውን’ውን ተዓዚብና ንኸውን ኢና? እዚን ነዚ ዝመስልን፡ ትሑት መረዳእታ ናይ ሰማዕቱን፡ ረቂቕ ሜላ ናይቶም ዘየምቲን ተደማሚሩ፡ ንህላወን ዘይህላወን ሓንቲ ሃገር ተራ ከይሃልዎ ኣይተርፍን ዝብል ስግኣት የሕድር። እዚ ማለት፡ እቶም ተፈታውነቶም ከም ዘዕበዩ ዝተረድኡ ድምጻውያን፡ ንሕና ዝበልናዮ እዝጊ ዝበሎ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ ስለ ዝጽግዑ፡ ናይ’ቲ ሰማዒ ገምጋምን ፍርዲን ከም ዘሎን ከም ዝዓብን ዘንጊዖም ናብ ሓደ መደምደምታ ይበጽሑ። ንኣብነት  ኣብ ቅንያት ፋሲካ ዝተዘርገሐት ንጽል ደርፊ ድምጻዊ ቴድሮስ ካሳሁን፡ እንተወሲድና። ሓንቲ ኣብ ጥበብ ዝኣተወት ሓሶት፡ ካብ ክውንነት ዝወጸት ሓረግ ንረክብ። እዛ ቃል ኣብ መጀመርታ ደቓይቕ ናይታ ደርፊ ዘላ ኮይና፡ ብልክዕ ንምዝራብ ኣብ ባዶ ነጥቢ 46 ሰከንድ ንረኽባ። ደጊምና ኣብ 3 ደቓይቕን 21 ሰከንድን’ውን ንረኽባ ኢና። እዛ ቃል ኣቓላቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዝሰሓበት ይፍለጥ። ኣብ ገለ ድማ ኪኖ ኣቓልቦ ሕቶታት ኣኸቲላ እያ። ኣብ ካልኦት ድማ ስጋኣትን ፍርሒን ኣስዒባ። እቶም ኤርትራዊ መንነት ዘይብሎምን ዘይስምዖምን ድማ፡ ሸፈፍ ኢሎም ብምሕላፍ በቲ ምሉእ ደርፊ ዕግበቶም ክገልጹ ተሰሚዖም’ዮም። እዛ ቃል ኢትዮጵያ ኣብ እትብል ንጽል ደርፊ ዝተሰኹዐት ኮይና፡ ባሕሪኺ ሰጊሮም ክትንክፉኺ ናብ ዝብል ናይ ትግርኛ ሓረግ ተርጒምና፡ ክንርድኦ እንተፈቲንና፡ እወ ሕቶታት ተስዕብ፡ ኣግርሞት ተኸትል፡ ዝጭበጥ ዝድህሰስ ታሪኽ ክትድምስስ እትደናደን ቃል ብምዃና ደጊምካ ክትሰምዓ ትግድድ፡ ንሳ ድማ ደድሕሪታ “ስንት የሞቱልሽ ለክብርሽ ዘብ ኣድረው፡” እትስዕብ ቃል ኮይና፡ ቃል ብቓሉ ብኣምሓርኛ ከምዚ ትስማዕ፡ “ስንት የሞትልሽ ለክብርሽ ዘብ ኣድረው፡ ኣልፈው ሲነኩሽ ባህርሽን ተሻግረው፡”
     እዛ ሓደ ግዜ ኣብ ታሪኻ ንኤርትራ ጎቢጣ ሒዛታ ምንባራ ዘይተኣደነ ጭብጢታትን መወከሲታትን ዘለዋ ሃገር። እታ ኤርትራ ከም ዘይናታ ምዃና ፈትያ ዘይኮነትስ ተንበርኪኻ ብምኣማን ምስ ደቃ ገዲፋታ ዝኸደት ሃገር፡ እዛ ብስም ኣንድነት፡ ብስም ዓባይ ኢትዮጵያ፡ ብስም ነብሳ ከተመሓድር ኣይትኽእልን። ብስም ተመሳሳሊ ቋንቋን ማሕበራዊ ኣነባብራን፡፡ ብስም ተመሳሳል ሕብሪ ቆርበት፡፡ ብስም ብዙሓት ምኽንያታት፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ’ምበር ካብ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ምርኣይን ምቕባልን ናይ ዘሸግሮ ሰብ ጥሙሕ እያ እትገልጽ እታ ኣብ መንጎ ዘላን ኣልዒልና ዝገለጽናያ ሓረግን፡ እወ እታ ኣልፈው ሲነኩሽ ባህርሽን ተሻግረው እትብል ቃል። እዛ ቃል’ዚኣ ኣብ ተራ ዘረባን መደረ ናይ ፖለቲከኛታትን ሰሚዕናያ ነይርና እንተንኸውን፡ ገለና ኣመሎም’ዩ ምበልና። ገለና ድማ እዚስ ካብ ድቃሱ ኣይተበራበረን ኢልና ምስገርናዮ። እዚ ኣብ ሙዚቃን ግጥሚን ሓያል ስምን ክእለትን ዘለዎ ድምጻዊ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ፋሲካ ዝዘርግሓ ንጽል ደርፉ ሰኽቲትዋ ብምምጽኡ ግና። ብፍላይ ነቲ ሓድሽ ወለዶኡን ነቲ መዋእሉ ኢትዮጵያ ባሕሪ ክህልዋ ኣለዎ እናበለ ሕማምን ሞትን ዝወስዶ ዘሎ ዝኣረገ ወለዶን ሓያል ስምዒት ዋንነት ከም ዝሓድሮም ይገብር። እወ እታ ኣብ ክውንቲን ጭብጥትን ዓለም ባሕሪ ዘይወነነት ኢትዮጵያ፡ {ክትውንን’ውን ዘይትኽእል ሃገር] ኣብ’ታ ኢትዮጵያ እትብል ንጽል ደርፉ ኣእትዩ፡ ሓሳባዊትን ሕልማዊትን ባሕሪ ከም እትህልዎም ይገብር። በዚ ኣብዛ ደርፊ ዘሎ ሓረግ፡ ንዝተፈላለዩ ሰማዕቲ ዝተፈላለየ ስምዒታት ክፈጥረሎም ይኽእል። ንገሊኦም፡ ለካ ህግደፍ ብልቓሕ ዝወሰዶ ባሕሪ ኣለና ዝብል ስምዒት። ንገሊኦም እታ ናይ ኣቦታትና ኢትዮጵያ፡ እታ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ሃገር ክንመልሳ ኣሎና። ንገሊኦም ዘይተዛዘመ ዕማም ከም ዘለዎም። ንገሊኦም ድማ {ብወገን ኤርትራውያን} እወ ብኻ ካብ ቀደምና ምስ’ታ ገዚኣትና ዝነበረት ጸኒሕና፡ ህዝባ መረታን ባሕራን ብኻ ኣብ ትሕቲኣ ጸኒሕና ንዝብሉ ድማ፡ እወ ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ጌሩ እንተገለጻ ካብ ሓቂ ኣይረሓቐን ዝብሉ፡ ጥቓ ሓቂ ደፊሮም ደው ክብሉ ዘይክእሉ’ውን ተዓዚበ’የ። ሕማቕ ዘመን ከተዓዛዝ እዩኮ ዝመጽእ’ምበር ከም ሓወልቲ ደሪቑ መዓስ ይተርፍ ኮይኑ? ነዚ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ዘተዓዛዝብ ድማ ኣይተሳኣንን።
      ኣብ ጥበብ፡ እሞ ድማ ኣብ ከም ናይ ድምጻዊ ቴድሮስ ካሳሁን ፍርያት ጥበብ፡ ብሸለልታ እትስኳዕ ቃልን ሓረግን ኣይክትህሉን እያ’ሞ፡ ሞሊቑዎ’ዩ፡ ጌና ካብ ድቃሱ ኣይተበራበረን፡ ነታ ናይ ሃጸዪ ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ እዩ ናፊቑ፡ ዝብሉ ተራ ዕላላት ሰጊርና፡ ሕቶታት ከነስዕብ ይግባኣና። ምስ ነብስና ክንዝቲ የድልየና። ንኣብነት፡ እዛ ኣብ ታሪኻ ሓደ ግዜ ጥራይ ብናይ ባዕዲ ገዛኢ ዝተወረረት፡ ኢትዮጵያን እታ ንመዋእላ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣዕሪፋ ዘይትፈልጥ ኤርትራን ዘራኽበን እንታይ እዩ? ኢልና ክንሓትት ይግብኣና’ወ። ነቶም ካብ ባዕዲ መጺኦም ንመረትን ህዝቢን ኤርትራ ወሪሮምን ገዚኦምን ዝነበሩ ባዕዳውያን፡ ኣንጻሮም ተዋጊኣዶ ትኸውን’ዛ  ስማ ዝዓብያ ኢትዮጵያ? ኢልና ክንጥይቕ ይግባኣና’ወ። ንኤርትራ ኪኖ’ዚ ዘሎ ኩነታት ሓሊፍና ንደልያ እንተኾይንና! ይትረፍ ንኤርትራን ህዝባን ክትብል ክትዋጋእ፡ ምስቶም ክገዝእዋ ዝመጹ ክትውግንን ተርታኣ ተጸብያ ክትገዝኣን ጥራይ’ያ ትረአ።
   ዋላ’ኳ ዘየስግእ ድዩ ዘስግኣካ ዝብል ትዕቢትን ትምክሕቲን ዝዓብለሎ መልሲ ክስማዕ ዝኽእል እንተኾነ፡ ምውናን ወይ ምሓዝ፡ ምዝማት ወይ ምስራቕ፡ ኣቐዲሙ ብሓሳብን ብጥሙሕን እዩ ዝካወን። ኣቐዲሙ፡ ከምቲ ልዒልና ዝገለጽናዮ ብሜላን ብጥበብን እዩ ንነብሲ ወከፍ ሰማዒ ከም ዝሰርጾ ዝግበር። ድሕሪ’ቲ ዘይድህሰስ ዘይጭበት ናይ ምውናን ስምዒት፡ ተግባራዊ ፈተነ ምውናን እንተተኻየደ ዘገርም ኣይኮውንን። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብዛ ንጽል ደርፊ ናይ ድምጻዊ ቴድሮስ ካሳሁን ዘላ ሓረግ ባሕሪኺ ሰጊሮም ክትንክፉኺ ወይ ክዋግኡኺ እትብል ሓረግ፡ እተሕድሮ ባሕሪ ናይ ምውናን ጥሙሕ፡ እተሕድሮ ኣብ ባሕሪ ናይ ምሕንባስ ህንጡይነት፡ እተሕድሮ ደጊምና ዶኽኣ ክንወርርን ክንጎብጥን ዝብል፡ ስምዒታት ኣቃሊልካ ክረአ ኣይግብኦን።
     በቲ ካልእ ኩርናዕ ድማ፡ ስለምንታ’ዩ ኣብዚ እዋን’ዚ ነዛ ደርፊ ክሰርሓ መሪጹ ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይግብኦ። ምናልባት ዶ ኩነታት ኤርትራ ከም ሃገር ናይ ምቕጻል ዕድላ ማህሚኑ’ዩ ዝብል ኣጉል እምነት ከም ዘሕድር ገይርዎ ይኸውን? ምናልባትዶ ኩነታት እታ ባሕሪ ከም ዘለዋ ጌሩ ዝገልጻ ኢትዮጵያ ናይ ህላወን ዘይህላወን ሕቶ ኮይኑ ተሰሚዕዎሞ፡ ነታ ኣብ ታሪክን መጻሕፍቲ ቅዱስን ተፈብሪኻ ዘላ ኢትይጵያ ብግጥሚታቱ ክመልሳ ደልዩ። ምናልባት ዶ እታ ኣብ ግዳም ዘላ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምፍራሳን ምብትታናን ብዛዕባ’ታ ዝነበረት ኢትዮጵያ መዘከርታ ክሰርሓላ ደልዩ? ምናልባት’ውን ነቲ ዝተሰባበረ መንፈስን ሞራልን ዘጋታት ክድብስ ደልዩ ይኸውን? በዚ ኮይኑ በቲ፡ እቲ ደርፊን እቲ ደራፊን ዝደለዩ ክደልዩ! እቲ ሕቶ ንምንታይን ስለምንታይን ብዘይውንንዎ ንብረት ጸጋታት ካልኦት ዜጋታት ኣልዒልካ ምድራፍ ኣድለዮም ዝብል’ዩ።
      ስለምንታይ ንኹሉ’ቲ ዝተሳዕርዎ ዝድምስሰዎ? ስለምንታይ ነቲ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ከህስስዎ ይፍትኑ ዝብል’ዩ። ዋላ’ኳ ገለ ኤርትራውያን መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ህግደፎዶ ኣይኮነን ደምሲስዎ ዝብል መልሲ እንተሃለዎምን ሓቂ’ውን እንተኾነን፡ ናይ ህግደፍ ምኽሓድ መስዋኣቲ ዜጋታቱን፡ ካብ ግዳም መጺእካ ምውራርን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፡ ሕድሕድ ምንትራኽን ምትህልላኽን ተሪፉ፡ ብጥበብ ንዝመጸ ብጥበብ፡ ብሓሳብ ንዝመጸ ብሓሳብ፡ ብተግባር ንዝመጸ ብተግባር፡ ክትብድሆ ድሉው ምዃን ናይ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሓፍነት ምኳኑ ክስመዓና ይግባእ።  
TG Onorham

ብድምጺ ክትከታተልዎ ንእትደልዮ ኣብዚ ሊንክ ምጥዋቕ ይከኣል።  
   https://tgonorham.wordpress.com/
ብጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖት ገብረመድህን ካብ ባህር ዳር

ምንም አስተያየቶች የሉም:

አስተያየት ይለጥፉ